ድጋፍ ንሓድነት / Tigrinya

ብሕብረት ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ – ንብዙሕነት ሕብረተ-ሰብ

መዓልቲ ተናጥፎ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ ን ዕለት 5 መስከረም 2020 ሃገር-ለኸ ጻውዒት ንዘይምእኩል ተቓውሞ

ብሕብረት ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ – ን“ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምስ ብዙሕነት“ ኣብ ትሕቲ ዚብል ጭርሖ ኣብ ከመይ ዝኣምሰለ ሕብረተ-ሰብ ክንነብር ከም እንደሊ ብዓውታን ብንጹርን ንምግላጽ ንዕለት 05 መስከረም 2020 ብመንገዲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቢልና ሓቢርና ተቓውሞና ክነስምዕ ኣብ ጽርግያ/ጎደና ክንወጽእ ኢና። እዚ ከም መቐጸልታ ድሕሪ‘ቲ ቅድሚ 5 ዓመት ብ „ጉዕዞ ናይ ተስፋ“ ዚፍለጥን ንሓደ ሕብረተ-ሰብ ብዘይ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዚተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ማለት ኢዩ።

መስከረም 2015 ናይ ቆላሕታ-ብርሃን ወይ ተስፋ ዓመት ኢያ ነይራ። ጸረ „መንግስታዊ ክልል“ ዝተሰበረላ ታሪኻዊት ዓመት ስለዝኾነት፡ እዚ ከኣ መስመር-ባልካን ዚምልከት ጥራይ ኣይነበረን፡ ናህሪ ናይ ምምጻእን መርሓባን መንፈስ ዝዓሰላ ዓመት ብምንባራ ዘይንርስዓ ዓመት ኢያ ነይራ! ዋላ‘ኳ ዓሌታዊ ሕግን ሽርሸራን ዳግም ይቕልቀሉ እንተሃለው፡ ግን ቃልስና ኣንጻሩ ቀጻሊ ኢዩ።

በብዕለቱ ሓዲሽ ኲነት እንርእየሉ እውን ኢዩ። ዓሌታዊ ኣድልዎ ሃሳዪ ጥራይ ዘይኮነስ ቀታሊ እውን‘ዩ። ንሃገራዊ ዶባት ኣውሮጳ ጥሒስካ ንኸይእቶ ዝተሓገገ ፖሊሲ፡ ኣብ ባሕሪ ምጥሓል፡ ብሕብሪ-ቆርበት-ተኮር ኣብ ከተማታት ዝካየድ ፈተሻ ፡ ንሓተትቲ-ዑቕባ በ‘ስገዳድ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ምእካብ፡ ምስጓግን መአከብ ናይ ቅድመ-ምስጓግ ዝቖመን ቤተ- ማእሰርቲ፣ ምንዳይ መጽለሊ-ቤት፡ ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛ ኣብ ስራሕ-ምንዳይ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርትን ዩኒቨርሲቲን፡ ዘይፍሕሹውን ኣቀባብላ ወይ‘ውን ዊንታዊ ኣተሓሕዛ ናይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ኣብያተ-መስተ ይኹን ኢንተርነት። እዚ ዓይነት ፖሊቲካ ኢዩ ንኣብ ዓሌትነት ዝተመስረተ ቅትለትን ራዕድን እምነ-መሰረት ዘንበረ። ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ሕብረተ-ሰብና እናሳዕረረን ቅርጺ እናሓዘን ይመጽእ ስለዘሎ ኩላትና ብማዕረ ክንቃለሶ ይግባኣና።

ሓደ መርሓባ-በሃሊ ሕብረተ-ሰብ ንኽህሉን ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎን ሓያሎ ሰባት ኣብ ኩሉ ይቃለሱ ኢዮም፡ ብንእሽቶ ይኹን ብግዙፍ፡ ብተግባር ይኹን ብፖሊቲካዊ መንገዲ። መሰል ናይ ነጻ ምንቅስቓስ ንኽህሉ፡ ኩሉ ማዕረ መሰል ንኽህሉዎ ኢና ንቃስለ። ሰባት ኣብ ባሕሪ ንኸይጥሕሉን ንኽድሕኑን ከምኡ‘ውን „ሂወት ጸሊም የገድስ‘ዩ“ ብምባል፡ ዓሌታዊ ዝኾነ ብፖሊስ ዝፍጸሙ ቁጽጽርን ግፍዕን ንጻረሮም። ኩሉ መጽለሊ-ቤት ንኽህሉዎ ንጠልብ። ምስጓግ ንቃወም፡ ዑቕባ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንድግፍ። ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዓሌታዊ ኣድልዎን ምዝመዛን ንምክት። ማሕበር ንፍልሰትን (migration) ጸረ-ፋሺስትን ከም ምዃንና መጠን ከኣ ኣንጻር ብየማናውያን ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ንቃለስ። ንሕና ካብዮም ንበዝሕ፡ ዓብላሊ ድምጺ እውን ኣሎና። ኣብ ከተማታት፡ ገጠራት፡ ኣብ ጽርግያታትን ብውልቅን ንቃለስ፡ ኢድና ከኣ ከቶ ኣይክንህብን ኢና!

ቃልሲ ናይ ፈለስቲ/migranten ኣብ ሕበረተ-ሰብና ካብ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ ታሪኽን ውድዕነትን ከተማታትና ተሰኒዱ ዚርከብ ኢዩ። ሎምን ሕጂን ከኣ ብዙሕነት ሕብረተ-ሰብ ንኽህሉ ነቒልና አነሀና፡ ዝዓግተና ከኣ ከቶ ኣይክህሉን ኢዩ።

እዚ እነካይዶ ዘለና ጸረ-ዓሌታዊ ኣድልዎ ጭቡጥ ተግባርነትን ህያው ራኢን ዝውንን ኢዩ። ሓንጎፋይ እትብል ኣውሮጳን ምሕዝነታዊ ምትእስሳር ናይ ኩለን ከተማታት ንኽህሉው ኢና ንቃለስ፡ ከምኡ‘ውን ጸረ-ምዝመዛን ኣግላልነትን፡ መሰል ናይ ምጽናሕ፡ ናይ ምኻድን ምምጻእን፡ ኮታስ ንማዕረ መሰል ናይ ኩሉ!

Afrique-Europe-Interact

AG Asylsuchende Sächsische Schweiz-Osterzgebirge e.V.

AK Asyl Friedrichsdorf

Aktionsbündnis gegen Abschiebungen Rhein-Main

Aktionsbündnis Solidarisches Salzwedel

Anti-Repression-Campaign you can’t evict solidarity

Arbeitskreis Asyl Cuxhaven e.V.

Aufstehen gegen Rassismus Rhein-Main

Bayerischer Flüchtlingsrat e.V.

Berlin Hilft

Bundes Roma Verband e.V.

Bündnis Alles Muss Man Selber Machen

Campana Cafe Mesoamerica CCM

Community for all, Darmstadt

eXchange e.V.

Flüchtlingsrat Baden-Württemberg e.V.

Flüchtlingsrat Hamburg e.V.

Flüchtlingsrat Niedersachsen e.V

Flüchtlingsrat Sachsen-Anhalt e.V.

Flüchtlingsrat Thüringen e.V.

Flüchtlingsrat Wiesbaden e.V.

Hamburger Bündnis gegen Rechts (HBgR)

Hessischer Flüchtlingsrat

Initiative “200 nach Marburg”

Initiative alle bleiben!

Karagah e.V.

kein mensch ist illegal, Hanau

Lübecker Flüchtlingsforum e.V.

Medibüro Berlin

Neag (noch eine autonome Gruppe) Bremen

Netzwerk SoliAsyl Thüringen

No Border Assembly

Open Arms

Rojava Solidarität Hanau

Roma Center e.V.

Sächsischer Flüchtlingsrat

Sea-Watch

Seebrücke

Seebrücke Frankfurt

Solidali-Frankfurt

Solidarische Provinz Wendland/Altmark

Solidarität Grenzenlos MTK

Solidarity City Kassel

Solizentrum Lübeck

VVN-BdA Hamburg

VVN-BdA Kreis Frankfurt

VVN/BdA Kreisvereinigung Oldenburg/Friesland

 

W.I.R Werdauer Initiative gegen Rassismus e.V.