ድጋፍ ንሓድነት Tigrinya

ድጋፍ ንሓድነት
ሕብረት ኣንጻር ዓሌትነትን ፋሺስትነትን

ግዜ የብልናን። ግና አቲ ሓድነት ዝሕተተሉ ግዜ መሪጽካ ዝውሰን ኣይኮነን። አዚ ጻውዒት ንነፍሰ ምክልኻልን ን ሓደነትን እዩ – ኣብ ሳክሰንን ክንዮን። ዓለም ንምድሓን ነፍስና ክንከላኸል ኣለና። ኣብ ሓደሽቲ ናይ ዑቕባ ሕግታትን ሃገራዊ ዓሌታውነት ዝውድቡ ፓርቲታትን ንናዚ ዝምውሉ ትካላትን ተስፋ ከነንብር የብልናን። አቶም የማናውያን አንታይ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ከርእዩና አንተደልዮም፡ ንሕና ሓድነትናን ኣብዚ እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ከምዝተረድኣናን ከነርእዮም ኢና። ሂወትካን ህላውነትካን ምክንኻል አንታይ ሙኻኑ ንፈልጥ ኢና። ካብ ሞንጎና ን ብዙሓት እዚ ሓድሽ ኣይኮነን። ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና።

ስለዚ ኣብ ሳክሰንን ኣብ ካልእን ኣለና። ሎምን ጽባሕን መጻኢን ድማ ኣለና። አዚ ዘይመችኦ ድማ ክለምዶ ኣለዎ። ነዚ ክዕንቕፍ ዝደሊ ድማ ዓቢ ፖለቲካዊ ዋጋ ክኸፍል እዩ፡ አቶም ኣብ ዶባት ናይ ኤውሮጳ ዝሞቱ፡ አቲ ተኸታታሊ ብናይ ብመንግስቲ ዝምወል ናይ ናዚ ቕትለትን፡ መቑጸሪ ዘይብሉ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ካምፕታቶምን፡ አቲ ጥርዝያታት፡ አቲ ዓለማዊ ምትካል ናይ መኸዘኒን መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ተደናጋጽነት ንጥፈታትን ናይ ባሕሪ ምድሓንን ጸረ ፋሺስትነትን። አቲ ዋጋ ምፍልላይን ምጉናይን (መሰል ምግሃስን) ሓጹርን ዓመጽን አዩ። አቲ ዋጋ ፋሺስትነት ናይ ሕብረተሰብ ከምቲ ኣብ ሳክሰን ሳዕሪሩ ዘሎ አዩ። ነዚ መስርሕ ደው ከብል ዝደሊ፡ ኣብ Whal-O-Mat ከንቱ ኣማራጺ ካብ ምፍታሽ ኣብቲ ሓያሎ መብዛሕትኡ አዋን ዘይረአ ናይ ስደተኛታት ታሪኽን፡ ኣንጻር ፋሺስትን መዓልታዊ ናይ ተደናጋጽነት ቓልሲን ከቶክር ኣለዎ። ተእኽሎ ናይ ካልእ ዓለም ድማ ኣብዚ ይጅመር፡ ቐጻሊን ኣብ ኩሉን። አታ ብርሃን ንውላዓ፡ አቲ ድምጺ ድማ ነልዕሎ፡ ሳክሰን ኣብ ሓደ አዋን ካብቲ ብዙሓት ዝሓስብዋ ዝኸፍአትን ዝሓሸትን አያ።

አቲ ጸገም ስደት ኣይኮነን

ብዛዕብኦም ንዛረብ፡ ግን ብዙሕ ኣይኮነን። ስደት ዘይኮነስ አቲ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ፋሺስትነት እዩ እቲ ጸገም። ኩነታት ናይ ብዙሕ ክፋል ናይ ሳክሰን ዑና ናይ ናይ ሕሉፍ ጀርመን ኣይኮነን ወይ ድማ ሓደጋ ናይ ንቡር ኣይኮነን። እቲ ኩነታት ክኸውን ዝኽእል ንኩሉ ዝትንክፍን ዝምልከትን መጻኢ እዩ። እቲ ኣብ ገለ ከባቢ ምሸት ኣብ ጎደና ክትንቐሳቐስ ትፈርሆ፡ ዓሌትነት ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ዘይተኣማንነት ኣብ መንግስቲን ትካላት መንግስቲን፡ ኣብ ሳክሰን ብዓሌታውነት ጀሚሩ ደው ዘይብል ናይ ሶሺያል ጎነጽ ኣኽሪሩ ይርከብ። ናቱ ምስክር ድማ ጎነጽ ኣንጻር ሰማይቲክ (antisemitischen) ኣብ ከሚንትዝን ካልእን፡ ወፈራ ናይ AFD ኣንጻር ናይ ሶሽያል ትካላት፡ ትያትርን ናጻ ስነ ጥበብን፡ ጎነጽ ኣንጻር ፈሚኒስምን ቓልሲ ናይ LGBTQ ሰባትን። ከምኡ ውን ዝርዝር ናይ ናዕቢታት ፡ ናይ ሓዊ ሰልፍታት፡ጎነጽ ብ ሓገዝ ናይ ፖሊስ ነዊሕ እዩ፡ Heidenau, Freital, Wurzen, Zwickau ድሕሪ Chemnitz ኩሉ ጉልባብ ተቐሊዑ።

ብ Ministerpräsident Kretschmer ናቱ መንግስቲ CDU ን Verfassungsschutz ን ተቓሊሉን ከምዝጽወር ተጌሩን። አቶም ናይ ቐደምን ናይ ሕጅን የማናውያን (Rechte) ግን „ግዱሳት ጌጋታት“ ዘይኮኑስ ፍርሒን ራዕዲን ዘጋውሑ እዮም። ንዓና ነቶም ስደተኛታት፡ ጸረ ፋሺስት፡ ባህሊ ናይ መንእሰያት፡ ፈሚኒስት፡ ስነጥበባውያንን ይደፍኡናን ይቐትሉናን ይጸልኡናን። ንሕና ካብኦም ዝተፈለና

ወይ ድማ ፍርሒ ካብ ካልኦት ስለዘይብልና ይጸልኡና። ዝተዓብሱ ማሓበራት ናይ ስድራቤታት፡ ናይ ሃገርን ናይ ኩባንያን ዘቕርብዎ ሕቶታት ይጸልኡን ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ብዙሓት ድማ ጸላኢ ይገብርዎ ኣብ ክንዲ ነቲ ዕብለላ ናይ ውሑዳት። አቲ ብዛዕባ ዘይማዕርነት ናይ ደቒ ሰባት ዝዛረብዎ ድማ ብሓደገኛ መገዲ ውጽኢታዊ እዩ፡ አዚ ድማ ሮቓሒታት ናይ ሕብረተሰባዊ ደረጃን ምዝመዛ ብዓሌታዊን ጾታዊን መስርዕ የስዕብ። አቶም ናይ ቐደም፡ ሕጂን ናዚ ድማ አዚ ኩሉ ግዜ ዘካብበና ዘሎ ኣኽራርነት እዩ። ሓያላት ብጾት ድማ ኣለውም፡ አቲ ሓድሽ ፋሺስትነት – ኣብ ሳክሰን፡ ፖላንድ፡ ኢጣልያ፡ ብራዚል ወይ ድማ ሃንጋሪ – ካብ ሰማይ ዘይኮነ ወሪዶ፡ ካብ ላዕሊ እዩ ተናኺሱ። ኣብ ኩሉ የማናውያን፡ ናይ እንዳ ጸጥታን መንግስቲን ኣካላት ናይዚ ብታሕቲ ዝቕበል ሓድሽ የማናዊ ኢኮኖሚ። ስለዚ ድማ ንብል ንሕና ክንድግፎ ዝግብኣና ጥዑይ ሕብረተሰብ የለን። አቲ ንቡር ወይ ኣብ ንቡር ኩነታት ዝርከብ ሕብረተሰብ አቲ ዓለም ናይ ጥርዝያን ሃገራዊ ዓሌትነትን ኣድልዎን ሞት ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ንተደናጋጽነት ከም ገበን ምርኣይን እዩ።

ወስን – ሓድነት ደግፍ!

አዚ ኩሉ ኣይኮነን – ብዛዕባና ንዛረብ ኣለና። ኩሉ ግዜ ኣዝዮም ብዙሓት ኣለዉ መዓልታዊ ኣንጻር ዛይት ጋይስትን የማናውያን ዕብለላን ዝቓለሱን ዘይምብርከኹን። ንድሕሪት ዘይብሉን መሰሎም ዝሓቱን። ኣብ Bautzen, Döbeln, Zwickau, Chemnitz, Plauen, Borna, Görlitz, Ostritz, Dresden, Leipzig ን ካልእን፡ ካልኦት ኣለው ማዕጽኦም ዘርሕዉን የእዳዎም ዝዝርግሑን። ሓድነት ናይቶም ሓሓንሳብ ኣብ መጻብቦ ዝርከቡ ግን ካብ ነዊሕ እዋን ዘይተሰዓሩ። ሂወቶም ኣብዚ ካብ ዓሰርተታት ዓመታት ትርከብ፡ ኣብ ካልእ መንገዲ ካብ ናይ የማናውያን ጭካነ። ኣብ ኩሉ ኣለዉ ታሪኽ ናይ ዘይደኽሙ ስደተኛታትን ኣክቲቪስትን። ታሪኽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ካባና፡ አቶም ነዚ ኩሉ ሰጊርና ነብስና ከየትሓትና ወይ ከየባረርና ዝተዓወትና።

ናይ መንበሪ ቦታ ጠለባትን ናይ መንበሪ ግዴታታትን አንተዘይክልከል ኔሩ ብዙሓት ካባና ቕድሚ ነዊሕ እዋን ነዚ ምገደፍናዮ። ብዙሓት ክጸንሑ ስለዘለዎም ጸኒሖም። ዋላኳ ጸቕቲ ወይ ምፍርራህ እንተሃለዉ፡ ኣብዚ ብዙሓት ኣለዉ ንባዕልኻ ነብስኻ ምውዳብ፡ ሓቦኛ ኣንጻር ፋሺስትነትን ንጡፍ ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ብንጹር ዝዛረቡ። ኣብ ሳክሰን ውን ነፍሲ ወከፍ ክውስን ይኽእል። ኣብ ናይ ምርጫ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ። ናትና መርገጺ ንዝመጽእ ድማ እዚ እዩ። ብተወሳኺ ሓደ መንግስቲ ናይ AFD ካብ ናይ የማናውያን ጭፍራ ከይፍጠር ወይ ከይስራሕ ንከላኸል – እዚ እቲ እንተወሓደ ሕጂ ወይ ብሕጂ ክኸውን ዝኽእል እዩ።

ቕድም ቐዳድም ብርዱእ ክንጅምር፡ ምድጋፍ ናይ ሓድነት ወይ ተደናጋጽነት ፡ ብሓባርን ብሓድሽ ሕብረታትን። ሓድነት ልዕሊ ሓደ ቓል እዩ። ሓድነት እቲ ዝጸበቐ ዝምድና ናይ ዓለም እዩ። ሓድነት ማለት ዝተፈላለየ ታሪኻትና ንናይ ሓባር ቓልስና ዕንቕፋት ኣይኮኑን ማለት እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ድሌት ኣብዚ ናይ ሓባር ቓልሲ ልዕሊ ናይ ተስፋ ቑርጸት ግብሪ እዩ። መበገሲ ናይ ዓቢ ምሕዝነት ክኸውን ይኽእል እዩ። ምሕዝነት ናይ ነብሰን ዝውድባ ጉጅለታትን ተበግሶታትን፡ ኣፈንን ሂወተንን ክውግድ ዘየፍቕዳ ጉጅለታት፡ ዝኸውን ክዛረባ ነብሰን ዝኣምና ጉጅለታት፡ ድድሕሪ ናይ የማናውያን ዘይጎያን፡ ብኣንጻሩ ንዕኡ ዝምክታን። ንሕና ልዕሊ እቲ ንሓስቦ ኢና።

ነዚ ዝስዕብ ንጽውዕ

– ንሓደ ሓባራዊ ናይ ምሉእ ጀርመን ቐጽሪ ብዘይምቐል ሰላማዊ ሰልፊ ን ዕለት 24.08 ኣብ Dresden!

ሓድነት ንደግፍ – ሕብረት ኣንጻር ዓሌታውነትን ፋሺስትነትን! Solidarität verteidigen – United Against Racism & Fascism!

– ንሓደ መጋብኣያ ኣብ Chemnitz ንዕለት 1.-3 ሕዳር ፡ ንሕና ሓሳብ(ድምጺ) ናይቲ ግዳይ ናይ NSUን ድምጺ ናይ ስደተኛታትን ቓልሲ ኣንጻር እቲ በደለኛ ወይ ገበነኛ ከነቕርብ ኢና። ክንኸስስ ኢና!

– ንናይ ተደናጋጽነት ፕሮጀክትታት ኣብ ምብራቕ ጀርመን ሓገዛት ንምእካብ። Put your money
where your mouth is! TBA!
– ንምሕዝነት ናይ ጸረ ፋሺስትን ጸረ ዓሌታውነትን ስደተኛታትን! ብሓባር ክቓለስ ዝደሊ ክፋለጥ ኣለዎ! ብሓንሳብ ይኸውን፡ ድራር ይሰርሕ፡ ኮንሰርትታት፡ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ይራኸብን ብሓንሳብ ይውደብን – ኣውቶቡሳት ን ዕለት 24.08 – ካብ ሳክሰንን ካብ ምሉእ ጀርመንን!
– ንምትእኽኻብ፡ ንምርኻብን ንተበግሶ ናይ ባዕልኻ ምውዳብን ጸረ ፋሺስትን፡ ናይ ስደተኛታትን ናይ ጸረ ዓሌትነትን ምድጋፍ።
– ናይ ሳክሰን CDU ወይ ድማ ካልእ ፓርቲ ምስ AFD ልፍንቲ ንከይገብድ ንምቕዋም።
– ን ናይ ዕለት 28.07 ናይ ድረስደን ርክብ፡ ናይ ሓባር ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ፕላን ዝግበረሉን ዝምደበሉን።